Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

racism


ዮሃንስ 7:24 | 17 Helpful votes

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ነህምያ 13:3 | 10 Helpful votes

ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:12 | 9 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:9 | 7 Helpful votes

ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:9 | 6 Helpful votes

እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

Translation | Context
ሮሜ 2:11 | 5 Helpful votes

ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 7:9 | 4 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:22-28 | 3 Helpful votes

እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ድድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:12-13 | 3 Helpful votes

ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 3 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።

Translation | Context
ነህምያ 13:23-30 | 3 Helpful votes

በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ። እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ። ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም። በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸኣ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ። እዚ ዅሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና። ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕ፡ ወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣ ካባይ ሰጎጉክዎ። ክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክሮም። በዚ ኸምዚ ኻብ ኵሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:10-11 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:5-6 | 3 Helpful votes

የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:14-15 | 2 Helpful votes

ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡

Translation | Context
ይሁዳ 1:19 | 2 Helpful votes

እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም።

Translation | Context