Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

rainbows


ዘፍጥረት 9:8-16 | 27 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ። ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን፡ ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክር፡ ክርእዮ እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:28 | 22 Helpful votes

ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፣ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ።

Translation | Context
ራእይ 10:1 | 20 Helpful votes

ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን።

Translation | Context
ራእይ 4:3 | 16 Helpful votes

እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:13 | 10 Helpful votes

ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።

Translation | Context