Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

raising hands


ዘጸአት 17:11 | 48 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።

Translation | Context
ነህምያ 8:6 | 7 Helpful votes

እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:54 | 6 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8-10 | 6 Helpful votes

እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 28:2 | 6 Helpful votes

ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።

Translation | Context
እዝራ 9:5 | 5 Helpful votes

ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።

Translation | Context
ድጒዓ 2:19 | 4 Helpful votes

ኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:22 | 4 Helpful votes

ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።

Translation | Context
ዘዳግም 32:40 | 4 Helpful votes

ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ፡ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ፣ እብል።

Translation | Context
መዝሙር 119:48 | 3 Helpful votes

ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:38 | 3 Helpful votes

ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዩ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 6:12-13 | 2 Helpful votes

ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሔ። ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጻድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣአዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።

Translation | Context
ሉቃስ 24:50 | 2 Helpful votes

ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።

Translation | Context