Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

reality


1ይ ቈረንቶስ 2:14 | 20 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 10 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 27:1-4 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ። ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፣ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒ፣ እምነት አሎኒ። ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 8 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ሮሜ 1:20 | 6 Helpful votes

ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።

Translation | Context
እዮብ 38:36 | 5 Helpful votes

ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ፧ ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ፧

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 4 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ሆሴዕ 6:1-11 | 4 Helpful votes

ንሱ ቐደደ፡ ኬጥዕየና ኸኣ እዩ፡ ንሱ ወቕዔ፡ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና። ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ። ዎ ኤፍሬም፣ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ዎ ይሁዳ፣ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ። ስለዚ ብነብያት ቈረጽክዎም፣ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፣ ፍርደይ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ። ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ። ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፣ በዚውን ጠለሙኒ። ጊልዓድ ብደም እተዐለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ። ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዜድብዩሉ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ካህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፡ እወ፡ ሕሰም ይገብሩ። ኣብ ቤት እስራኤል ዜስክህ ነገር ርኤኹ፣ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፣ እስራኤል ከኣ ረኸሰ። ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፣ ኣታ ይሁዳ፣ ንኣካ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ አሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:18 | 4 Helpful votes

ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:11 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context