Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

riches


1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 4 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
ሉቃስ 12:15 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:19-21 | 3 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:10 | 3 Helpful votes

እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:17 | 3 Helpful votes

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧

Translation | Context
ሉቃስ 16:13 | 2 Helpful votes

ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 2 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:1-5 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም አሎኹም። እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ። ኣብ ምድሪ ሐንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፡ ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም።

Translation | Context
ማርቆስ 4:19 | 2 Helpful votes

ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን አትዩ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:22-26 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፥ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ አላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ። የሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩ፥ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ። እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፡ በሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:33-34 | 2 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 2 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:8 | 2 Helpful votes

ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻ፡ ሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ።

Translation | Context