Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

risk taking


መክብብ 11:4-6 | 17 Helpful votes

ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ። ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:14-30 | 12 Helpful votes

መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 11:1-3 | 9 Helpful votes

ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ። ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ። ደበናስ ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ኦም ከአ ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን ኣቢላ እንተ ወደቐት፡ እታ ኦም ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣብኡ ትነብር።

Translation | Context
2ይ ነገስት 7:4 | 9 Helpful votes

ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት አሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሐደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 8 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:29 | 7 Helpful votes

ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:11-12 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጐዐዝ፡ በለኒ። ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

Translation | Context
ማቴዎስ 14:29 | 5 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:17-20 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 8:36 | 3 Helpful votes

ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧

Translation | Context