Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

roots


ኤርምያስ 17:7-8 | 25 Helpful votes

ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:6-7 | 18 Helpful votes

ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።

Translation | Context
መዝሙር 1:3 | 11 Helpful votes

ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:16-19 | 10 Helpful votes

ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ አሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።

Translation | Context
ማርቆስ 4:17 | 7 Helpful votes

ንሽዑ እዮም እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ።

Translation | Context
እብራውያን 12:15 | 7 Helpful votes

ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:3-8 | 6 Helpful votes

ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ። ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:6 | 4 Helpful votes

ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ።

Translation | Context
ማርቆስ 4:6 | 4 Helpful votes

ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሃጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ።

Translation | Context