Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

rulers


1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 10 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:2 | 8 Helpful votes

ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1-2 | 5 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 4 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 4 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።

Translation | Context