Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

vampires


ምሳሌ 30:14 | 28 Helpful votes

ነመሳኪን ካብ ምድሪ፡ ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲ፡ ሰይፊ ዝስኑ፡ ካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ አሎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 17:10-14 | 20 Helpful votes

ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ። ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም። ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ፡ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕ፡ በልኩ። ድማ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዚነብሩ ጓኖት ዚብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሀዲኑ እንተ ሐዘ፡ ነቲ ደም ይኽዐዎ፡ ሓመድ ድማ ይኽደኖ። ነፍሲ ዂሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ስጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 16:6 | 9 Helpful votes

ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም፡ ዚግብኦምውን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ዮኤል 1:6 | 5 Helpful votes

ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበ፣ ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፣ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ አለዎ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 11:19 | 5 Helpful votes

ንሱ፡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ፧ ነዚ ምግባርስ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ፡ በለ። ስለዚ ኺሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ገበሩ።

Translation | Context
ዘዳግም 12:23 | 5 Helpful votes

ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕ፡ እቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ።

Translation | Context
ራእይ 17:6 | 4 Helpful votes

እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ።

Translation | Context
ራእይ 9:8 | 4 Helpful votes

ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 30:11-18 | 3 Helpful votes

ነቦኡ ዚረግም፡ ነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ አሎ። ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዚብል ወለዶ አሎ። ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኵሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ አሎ። ነመሳኪን ካብ ምድሪ፡ ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲ፡ ሰይፊ ዝስኑ፡ ካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ አሎ። ዓለቕትስ፡ ሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግብ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዝይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡ ሲኦልን ዘይትወልደ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይአኽለኒ ዘይብል ሓውን እዮም። እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃ፡ ንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጕጥጕጥዎ፡ ጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም። ኣዝዩ ዚገርመኒ ሰለስተ ነገር አሎ፡ ኤረ ዘይፈልጦስ ኣርባዕተ እዩ፡

Translation | Context
ዘዳግም 32:17 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ንዘይኰኑ ኣጋንንቲ፣ ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፣ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፣ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:28-29 | 2 Helpful votes

ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 2 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።

Translation | Context
ራእይ 1:3 | 2 Helpful votes

እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።

Translation | Context