Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

vanity


ምሳሌ 31:30 | 7 Helpful votes

ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።

Translation | Context
መዝሙር 119:37 | 6 Helpful votes

ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1-7 | 4 Helpful votes

ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።

Translation | Context
ኤርምያስ 4:30 | 4 Helpful votes

ኣቲ ዝዐኖኺኸ፡ እንታይ ኽትገብሪ ኢኺ፧ ጁዂ እንተ ተኸደንኪ፡ ስልማት ወርቂ እንተ ተሰለምኪ፡ ኲሕሊ እንተ ተዀሐልኪ፡ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይጺ ዘሎኺ። ፈተውትኺ ንዒቖምኺ ነፍስኺ ይደልዩ ኣለው።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:8 | 3 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
ገላትያ 5:16-26 | 3 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።

Translation | Context
መክብብ 5:10 | 3 Helpful votes

ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።

Translation | Context
መክብብ 2:11 | 3 Helpful votes

ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ማቴዎስ 16:26 | 2 Helpful votes

ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧

Translation | Context
መክብብ 6:2 | 2 Helpful votes

ኣምላኽሲ ሃብትን መዝገብን ክብርን ንሰብ ሀቦ፡ ካብቲ ዝድለዮ ዘበለ ኸኣ ነፍሱ ሓደ እኳ ኣይሰአነትን፡ ግናኸ ካልእ ሰብ ይበልዖ እምበር፡ ካብኡ ኺበልዕ ኣምላኽ ኣየሰልጠኖን። እዚ ኸንቱነትን ዝኸፍኤ መግደራን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:26 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።

Translation | Context