Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

vision


ኣንባቆም 2:2 | 12 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:18 | 9 Helpful votes

ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:3 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።

Translation | Context
ዮኤል 2:28 | 6 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

Translation | Context
ዳንኤል 7:13-14 | 5 Helpful votes

ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 4 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኣሞጽ 3:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፣ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 18:9 | 3 Helpful votes

ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:16 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትሲ ኸንቱነት እዮም ዚምህሩኹም ዘለዉ፡ ራእይ ልቦም እምበር፡ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጸ ኣይኰነን ዚነግሩኹም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 9:10-12 | 2 Helpful votes

ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ አሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ አትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኼንብረሉ ብራእይ ርእዩ አሎ፡ በሎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:17 | 2 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:6 | 2 Helpful votes

በሎም ድማ፡ ዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 3:1 | 2 Helpful votes

ሳሙኤል እቲ ቘሎዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረ።

Translation | Context